ኢምባሲ ሑቡራት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዜጋታት ወፃኢ ይዉቅዑ’ለዉ ኢሉ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  09/07/2012)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ወፃኢ መጥቃዕቲ ይፍፀም ኣሎ ክብል ኢምባሲ ሑቡራት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡

ኢምባሲ ሑቡራት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዜጋታት ወፃኢ ኣብ ምዝማት ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ቀንዲ ተሓተትቲ ንስኹም ኢኹም ብዝብል ምኽንያት መጥቃዕቲ ይፍፀመሎም ከምዘሎን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ መዳይ ዝህቦ ዘሎ  ከለላ ኣዝዩ ዱኹም ምዃኑ ሓቢሩ፡፡  

ኣብ ልዕሊ እቶም ዜጋታት ወፃኢ ብእምኒ ካብ ምዉቃዕ ጀሚሩ ምፅራፍን ናብ ታክሲ ከይኣትዉ ምኽልካልን ምፅያፍን  ገለ ካብ ሞንጎ እቶም ዝፍነዉ ዘለዉ መጥቃዕትታት ገሊኦም ከምዝኾኑን ዝገለፀ እቲ ኢምባሲ ዜጋታት ኣመሪካ ሓዊሱ ኩሎም ዜጋታት ወፃኢ ካብ መንበሪ ገዝኦም ንኸይወፁ ምዒዱ፡፡ ከም ፀብፃብ ETHIO FM ::


0