ን1 ነጥቢ 5 ሚሊዮን መናእሰይ ነበርቲ ከተማታት እዛ ሃገር ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ንክፍጠር ትልሚ ተታሒዙ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  28/01/2012)ፌደራል ኤጀንሲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ውሕስና ምግቢን ከተማታት ከምዝገለፆ እዚ ተታሒዙ ዘሎ ቁፅሪ ዕድል ስራሕ ዝፍጠረሎም መናእሰይ ዝፍጠር ብቁፃርን ብኢንተርፕራይዝን እንትኸውን ፣ብኢንተርፕራይዝ ስራሕ ንዝፍጠረሎም መናእሰይ ብር ትሽዓተ ቢሊዮን ልቓሕ ከምዝመቻቸወሎም ኣፍሊጡ፡፡

ዳይሬክተር ፌደራል ኤጀንሲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ምግቢ ውሕስናን ከተማታት ኣይተ ንዋይ ኣልታየ ፣ሎሚ ዓመት ን1 ነጥቢ 5 ሚሊዮን መናእሰይ ብቐዋሚ ን3 ሽሕ መናእሰይ ድማ ብግዝያዊነት ዕድል ስራሕ ንክፍጠረሎም ትልሚ ከምዝተትሓዘን ካብ ኢንተርፕራይዝ ዕድል ስራሕ ዝፍጠረሎም መናእሰይ ኣብ ዘፈራት ማፋክቸሪንግ ፣ከተማ ሕርሻ ፣ግልጋሎት፣ ኮንስትራክሽንን ንግድን ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ከም ኣገላልፃ እቲ ፌደራል ኤጀንሲ ብቀዋምን ግዝያዊን ዕድል ስራሕ ካብ ዝፍጠረሎም መናእሰይ 440 ሽሕን ካብ ክልልኦሮሞ፣ 314 ሽሕ ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 286 ሽሕ ድማ ካብ ክልል ደቡብ እንትኾኑ 110 ሽሕ ድማ ካብ ክልል ትግራይ ከም ዝኾኑ ድሕሪ ምግላፅ፣ እዚ ዕድል ስራሕ ብቅድሚያ ንምሩቓት ዝወሃብ ዋላ እኳ እንተኾነ ዝኾነ ይኹን ደላይ ስራሕ ተቀዋሚ ከምዝገብር ገሊፁ እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of