ንጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ዝቐተሉ ብሞት ኽቕፅዑ ተወሲኑ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  14/04/2012   ስዑዲ ዓረብ ኣብ ገበን ቅትለት ኢድ ኣለዎም ንዝበለቶምን ጉዳዮም ብሕጊ ክረአ ካብ ሞንጎ መሪሓቶ ናይ ዝፀንሐትን 15 ጡርጡራት እቶም ሓሙሽተ ብሞት ኽቕፅዑ  ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ፈሪዱ ፡፡

             ንኣኽባሪ ሕጊ እታ ሃገር ብምጥቃስ ቢቢሲ ትማሊ ከምዝሓበሮ  ኣፍቲ ጭካነ ዝተመልኦ ገበን ቅትለት ኢድ ነይርዎም ተባሂሎም ከብ ሞንጎ ዝተጠርጠሩ 15 ሰባት እቶም 5 ብሞት ኽቕፅዑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ከምዝፈረደን ጉዳይ እቶም ዝተረፉ 11 ሰባት ገና ኣብ መስርሕ ሕጊ ከምዘሎ ገሊፁ፡፡

            ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ንመንግስቲ ስዑድ ዓረብ ዝነቕፍ ዝነበረ ውሩይ ጋዜጠኛ ኮይኑ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ጉዳዩ ከሳልጥ ኢሉ ምስ ኣተወ’ዩ ብኣካላት ፀጥታ ስዑድያ ተቐቲሉ ክበሃል ከምዝፀንሐ ዝሓበረ ቢቢሲ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ብወገኑ ኣፍቲ ገበን ቅትለት ዝኮነ ዓይነት ምትእትታው ከምዘይነበሮ ብምግላፅ ንቲ ዝቐርበሉ ዝነበረ ክሲ ክነፅጎ ከምዝፀንሐን እንተኾነ ግን   ከም መራሒ ሰዑድ ዓረብ እቲ ጉዳይ ገበን ቅትለት ክሳብ መወዳእታ ከምዝከታተሎ ብምግላፅ ምሉእ ሓላፍነት ከም ዝስከም ምላሽ ሂቡ ምንባሩ ኣረዲኡ ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of