ንዘመናት ጠፊኣ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ትግራይ ብተመራመርቲ ስነ ኳዕቲ ተረኺባ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  02/04/2012ተመራመርቲ ስነ ኳዕቲ፣ ተቐቢራ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ትግራይ ኣብ ዞባ ማእኸል ኣብ ጥቃ ይሓ ከምዝረኸቡ ገሊፆም። እታ ከተማ ቤተ ሰማዕቲ ዝብል መፀውዒ ሽም ዝሓዘት እንትትከውን ን1400 ዓመታት ዝኣክል ሰባት ይነብሩላ ከምዝነበሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

             ቤተ ሰማዕቲ ኣካል እቲ ንኣሽሓት ዓመታት ንምብራቕ ኣፍሪካ ብዓብላላይነት ይገዝእ ዝነበረን ምስ ከምኒ ሮማ ዝኣመሰሉ ግዝኣታት ልውውጥ ንግዲ የካይድ ዝነበረን ስልጣነ ኣክሱም ከምዝነበረት እውን ተሓቢሩ እዩ።

             ጉጅለ ተመራመርቲ ስነ ኳዕቲ ድሕሪ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝተኻየደ ምይይጥ ኳዕቲ ምስ ጀመሩ ብእምኒ ዝተነደቑ መናድቕን ፍርስራስ ህንፃታትን ክረኽቡ ክኢሎም እዮም።

              ቤተ ሰማዕቲ፣ ካብ 771 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ክሳብ 645 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረት ከተማ ከምዝኾነት ነቶም ዝተረኸቡ መረዳእታት መሰረት ገይሩ ብዝተኻየደ ምርምር Radiocarbon ተረጋጊፁ እዩ።

               ጃኪ ፊሊፕስ ዝተብሃለ ምሁር ዩኒቨርሲቲ ሃገረ እንግሊዝ SOAS፣ እዚ ርካብ ብጣዕሚ ጠቓሚ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላፁ መብዛሕትኦም ዝፍለጡ ናይ ስልጣነ ኣክሱምን ቅድሚኡ ዘሎ ዘመንን ቦታታት ብብርኪ ዓለም ንክፍለጡ ዝተገበረ ፃዕሪ ትሑት ምንባሩ ሓቢሩ።

            ሚካኤል ሃሮወር ዝተብሃለ ምሁር ዩኒቨርሲቲ ሃገረ ኣሜሪካ ጆንስ ሆፕኪንስ ብወገኑ “ስልጣነ ኣክሱም፣ ካብ ግብፅን ሱዳንን ወፃኢ ብጣዕሚ ፍሉጣት ካብ ዝነበሩ ጥንታውያን ስልጣነታት ኣፍሪካ ሓደ እኳ እንተነበረ ብዙሓት ብዛዕብኡ ፍልጠት የብሎምን” ክብል ሓቢሩ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of