ንኤርትራ ዝተልኣኸት ጉጅለ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ምርኢታ ንኸተቋርፅ ትግደድ ከምዝነበረት ተገሊፁ ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  14/04/2012ብሚኒስተር ድኤታ ባህልን ቱሪዝምን ሃገርና ዝተመርሐ 60 ኣባለት ዝሓዘት ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ቡዙሕ ሰብ ከምዘየለን ኣብ መድረኽ ምርኢቶም የርእይሉ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ምርኢቶም ንኸቋርፁ ይግደዱ ከምዝነበሩ ተገሊፁ፡፡

       ምስታ ጉጅለ ዝተጉዓዘ ኣባል ጉጅለ ሙዚቃ ጃኖ ስነጥበባዊ ሳሙኤል ኣሰፋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ከምዝሓበሮ ኣብታ ሃገር ተዘዋዊሩ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ኣፍታ ሃገር ብዙሕ ሰብ ከም ዘየለ ድሕሪ ምሕባር እቲ ዝርካቡ ዉሕድ ህዝቢግን ሰላማውን ፈታዊ ሰብን እዩ  ክብል ሓቢሩ።

       ምስ’ዚ ጉጅለ ዝተጉዓዙ ቅዲ ሙዚቃ ሮክ ዝፃወቱ ኣባላት ጉጅለ ሙዚቃ ‘ጃኖ’ ብርክት ዝበለ ስራሕቶም ኣብ ባፅዕን ኣስመራን ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ቢቢሲ ተፃዋቲ ጉጅለ ሙዚቃ ጃኖ 19 ደርፍታት ንምቕራብ መደብ’ኳ እንተነበሮ 13 ደርፍታት ምስ ኣቕረቡ እቲ ዝተረፈ ሙዚቃ ንኸቋርፅዎ ከምዝተገደዱ ሓቢሩ ፡፡

      እቲ ሙዚቃ ኽቋረፅ ዝተገበረሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ጥቓኹም እንተመስዩ ሙዚቃ ምፅዋት ስለዘይፍቀድ ኣቋርፅዎ ከምዝተብሉን ከምዘቋረፅዎ ዝሓበረ ሳሚኤል  “ይነጋል ” ዝብል ደርፊ ከይተቕርቡ ተኸልኪልኩም ኢኹም ይበሃል ዩ? ንዝብል ሕቶ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ ” ‘ይነጋል ዝብል ደርፍና ኣቕሪብና ኢና፤ ዳሪኝ ትብል ደርፍና ክንፃወት ክንብል ግን ይኣክል ተባሂልና።” ክብል ኣብሪሁ፡፡

        ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ  ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሩ ከምዝምለስ ክኣ ቢቢሲ ወሲኹ ሓቢሩ ።


1+

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of