ንኢትዮጵያ ኣብ መንቀራቕሮ ዘእተወ ስሉሳዊ ዘተ ግድብ ህዳሰ ብዘይምስምማዕ ተበቲኑ ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  06/06/2012)ኣብ ሃገረ ሑቡራት ኣመሪካ-ዋሽንግተን ዲሲ ኣሸማገልቲ ኢና ብሃልቲ ባዕሉ መንግስቲ ሑቡራት ኣመሪካን ትካል ገንዘብ ዓለምን (IMF)ንንቡር መስርሕ ምሽምጋሎም ረሲዖም ልእሊ’ተን ተዛተይቲ ሃገራት ኣብ ሓይለ መልጢ ዝድርኺቱ ሓሳብ ዘቕረብሉ ሃገረ ሱዳን ናይ ነዊሕ እዋን መርገፃ ቐይራ ኣብ ጎኒ ሃገረ ግብፂ ዝተሰለፈትሉ ኢትዮጵያ 4ን1 ብዝኾነ ድምፂ ኣብ መንቀራቕሮ ኣትያትሉ ዝቐነየት ሽማዊ ሱሉሳዊ ዘተ ብዘይዉፅኢት ተበቲኑ፡፡ 

  ኣፍቲ ንዓመታት ኽካየድ ዝፀንሐ ዘተ ካፍቲ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ ትሕዝቶ መዛተይ ነጥብታት ብምዉንዛፍ ሓድሽ ብዛዕባ ብፅሒት ማይ ኣባይ ዘተኮረ ብሸነኽ ግብፂ ከምዝቐረበን ሱዳን ካብ ንቡር መትከላ ሸተት ዝበለትሉን ብጉልባብ መስርሕ ሽምግልና ዝኣተዋ ሑቡራት ኣመሪካን ትካል ገንዘብ ዓለምን (IMF)ን ካብ ኣሸማጋልነት ናብ ዝተፈላለዩ ቃልዕ ፅዕንቶታት ዝኣተዋሉን ተርእዮ ከምዝነበረ ቢቢሲ ሓቢሩ፡፡

 ስሉሳዊ ዘተ ህዳሰ ግድብ ኣብ ሞንጎአን ክካየድ ዝፀንሐ ዘተ ሚዛኑ ዝስሕት ዘሎን ኢትዮጵያ ናብ ዝኸፍአ መንቀራቕሮ የእትይዋ ዘሎ ንነዊሕ ዓመታት ዝፀንሐ ዘተ ብዘይ መደራደሪ ሞንጎኛ ንዝብል መትከል ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ለዉጢ ሓይሊ እየ ብሃሊ ብዝፈፀሞ ስምምዕ ሞንጎኛ ኣደራዳሪ ምፍቃዱ ስዒቡ ከምዝኾነን እዚ ኽኣ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ዋጋ ዘኽፍላን መስርሕ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡      


0