ንኢታማጆር ሽም ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረ መኮነን መዘከርታ ሓወልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ቤተክርስትያን እንዳ ገብርኤል ቆይሙ።

(ኤፍኤምመቐለ  11 /01/2012)እቲ ሓወልቲ ብሚኒስቴር ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ከምዝተሃነፀ ተገሊፁ።

ኣብ ስርዓት ምረቓ ሓወልቲ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል: ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ሌተናል ጀነራል ሞላ ሃይለማርያምን ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስትን ተረኺቦም።

ኢታማጆር ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 15 ብሓላዊ ጀነራል ሰዓረ ከምዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of