ንምሕፃብ ኩሊት ዝድለ እታዎት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምፍራይ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና፡፡

ኣብዛ ሃገር ቁፅሪ ሕፅበት ኩሊት ዝህቡ ትካላት ውሑዳት ኣብ ርእሲ ምዃኖም ብዋጋ እውን ዝለዓለ ገንዘብ ስለዝኽፈሉ ብዙሓት ተጠቃዕቲ ሂወቶም ሓሊፉ እዩ፡፡

ኣብ ውልቂ ንሓደ ግዘ ንምሕፃብ 1ሽሕን 300 ኣብ ሆስፒታላት መንግስቲ ድማ ካብ 500 ቅርሺ ጀሚሩ ዝወሃብ እንትኾን ኣብተን ትካላት ዝርኣ ሕፅረት እታዎት ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ኣሚን ኣማን ገሊፆም፡፡

እቶም እታዎታት ኣብ ወሽጢ ሃገር ንምፍራይ ምስ ኣብቲ ዘፈር ዝተዋፈሩ ትካላት ግብፅን ፈረንሳይን ዝርርብ ዝተጀመረ ኾይኑ ክሳብ ዘላቒ መፍትሒ ዝግበር እታዎታት ብበዝሒ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትው ምግባር ከም ካልኣይ ኣማራፂ ከም ዝተተሓዘ ምግላፆም ፀብፃብ ኤፍቢሲ የመላኽት፡፡

28/05/2011


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of