“ንመቐለ ምኻድ ኣይትኽእሉን” ተብሂሎም ካብ ነፋሪት ክወርዱ ናይ ዝተገበሩ ጉዳይ ጉጅለ ልኡኻት ቻይና መንግስቲ ፌደራል ጉቡእ ምላሽ ንኽህቦ መንግስቲ ትግራይ ሓቲቱ፡፡

   (ኤፍኤምመቐለ  09/04/2012     ብምክትል ኣቦመንበር ቤትምኽሪ ዝተመርሐ ጉጅለ ሉኡኽ  ሃንዥ ግዝት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ንምጉዓዝ ናብ ነፋሪት ምስተሰቕሉ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ንመቐለ ምኻድ ኣይትኽእሉን ተብሂሎም ካብ ዝተሰቐልዋ ነፋሪት ክወርዱ ከምዝተገበረ ተፈሊጡ፡፡  

            ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ንቶም ኣጋይሽ ንምቕባል ኣብ መዕሩፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መቐለ ንቶም ኣጋይሽ ንምቕባል ኣብ ምፅባይ ከምዝነበሩን እቶም ኣጋይሽ ዘይምምፀኦምን ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ምኽልካሎም ዝፈለጡን እታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰት ኣብ መቐለ ምስ ዓረፈት’ዩ  ክብል ድወት ፀብፂቡ፡፡

              ብድሕሪ እዚ ክስተት  ዶክተር አበርሃም ተከሰተ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ናብ ከተማ አዲስ አበባ ብምኻድ ነቲ ጉጅለ ልኡኽ  ብምዝርራብን ናይቲ ናብ ትግራይ ዘበገሶም ጉዳይ ሰነድ ስምምዕ ቱሪዝም ፣ ኣብ ስራሕቲ ምዉፃእ ማዕድንን ሕርሻን ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተፈራረሙ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

          ምስቲ ጉጅለ ሉኡኽ ናይ ምርኻብ መስርሕ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ወፃኢ ጉዳያት ከምዝተኻየደን እንተኾነ ግን ንቲ ጉዕዞ ዘሰናኸለ ኣካል ንፁር ስለዘይኮነ ፌደራል መንግስቲ ኣፃርዩ ጉቡእ ምላሽ ንኽወሃቦ መንግስቲ ትግራይ ሓቲቱ’ሎ፡፡
           ንዚ ሓባራዊ ስምምዕ ንምኽታም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጉዓዙ ዶክተር አበርሃም ተኸስተ ከምዝሓበርዎ  ገለ ሓላፍነት ዘይስምዖም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፌደራል  ከምዚ ዓይነት ዝወረደ ስራሕ ብምስራሕ ንዝነበረን ዝፀንሐን ፅቡቕ  ምስሊ መንግስቲ ኣብ ምድዋን ከምዝርከቡ ሓቢሮም ክብል ድወት ወሲኹ ሓቢሩ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of