ንሓለዋ ልሙዕነት ሓመድን ምዕባይ ምህርትን ኣብ ዝራእቲ ማእከል ዝገበረ ዝተቐመመ ዘመናዊ ድኩዒ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ቅድመ ምድልው ከምዝተዝዘመ ሚኒስተር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስተር ድኤታ እቲ ሚኒስተር ኣይተ ሳኒ ረዲ ኣዝርእቲ ማእኸል ዝገበረ ዝተመጣጠነ ዘመናዊ ድኩዒ ኣብ ልምዓት መሬትን ምዕባይ ፍርያትን ዝለዓለ እጃም እለዎ ኢሎም፡

ልዕሊ 12 ንጥረ ነገራት ዝሓዘ ድኩዒ ምስ ሓርስቶት ብምርድዳእ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ኣብ ኣዳማ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መድረክ ዝተረኸቡ እቶም ሚኒስትር ድኤታ ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ደረጃ ልምዕነት ሓመድን ፍርያትን ዘላቒ ክኾን ዘኽእል መፅናዕቲ ክካየድ ፀኒሑ እዩ ኢሎም፡፡

ጀኔራል ዳይሬክተር ኤክስቴንሽን ሕርሻ ሚኒስተር ሕርሻ ኣይተ ገርማሜ ጋሮማ ብወገኖም ደረጃ ልምዕነት ሓመድ ኢትዮጵያን ገርሁ ዝደለይዎ ንጥረ ነገርን ዘመላኽት ካርታ ከምዝተዳለወ ገሊፆም፡፡ምድላው እቲ ካርታ ምስ ሓመድ እቲ ከባቢን ኣዝርእትን ዝስማዕማዕ ዘመናዊ ድኹዒ ብሳይንሳዊ መንገዲ ንምድላው ከምዘኽእል ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

03/07/2011


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of