ናይ መወዳእታ ፀወታታት ርብዒ ፍፃመ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፖ ሎሚ ምሸት ክካየድ እዩ፡፡

ንእንግሊዛውያን ጋንታታት ዘራኸበ ግጥም ማንችስተር ሲቲን ቶተንሃም ሆትስፐርን ሎሚ ምሸት ኣብ ኢቲሃድ ክግበር እዩ፡፡ ቶተንሃም ኣብ ቀዳማይ እግሪ ፀወታ ክልቲኤን ጋንታታት ቶተንሃም ብብሕታዊት ሽቶ ሳን 1ን0 ከም ዝሰዓረት ይዝከር፡፡

ካልኣይ ግጥም እዚ ምሽት ንእንግሊዛዊት ጋንታ ሊቨርፑል ምስ ፖርቱጋላዊት ጋንታ ፖርቶ ዘራኸብ ክኸውን እዩ። ኣብ ቀዳማይ ፀወታ ሊቨርፑል ብሽቶታት ሮቤርቶ ፊርሚኖን ኬታን ተሓጊዛ 2ን0 ከም ዝሰዓረት ይዝከር፡፡

ትማሊ ኣብ ዝተኻየዱ ግጥማት ርብዒ ፍፃመ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፖ ጋንታታት ባርሴሎናን ኣያክስን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ዝሓለፉ ኾይነን ተወሰኽቲ ክልተ ጋንታታት ዝፈልዩ ናይ ሎሚ ምሸት ግጥማት ሰዓት 4 ክጅምሩ እዮም፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of