ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ግብፃዉያን ካብ ኣፍልጦ ሰበስልጣን ሃገርና ወፃእ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሰዊሮም፡፡

ብኣንፈት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብመቐበሊ ልዑል ክብሪ ሰበስልጣን (VIP) ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ግብፃዉያን ካብ ኣፍልጦ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሃገርናን ሃገራዊ ድሕንነትን ብምስዋር ጠፊኦም ተባሂሉ፡፡

ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደብሩ ትግራይ ሚድያ ሃዉስ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ከምዝሓበሮ እቶም ግብፃዉያን ብኣፍልጦ ሃገራዊ ድሕነትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሃገርናን ኣብ መቐበሊ ልዑል ክብሪ ሰበ ስልጣን (VIP) ብኣንፈት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከምዝኣተዉ’ኳ ተተረጋገፀ ምስ ዝምልከቶ ሰበ ስልጣን ሃገርና ከይተራኸቡ ካፍቲ መቐበሊ ናይ ክብሪ ጋሻ ብምጥፋእ አብታ ከተማ ከምዝተሰወሩን ኣረጋጊፀ’ለኹ ክብል ፀብፂቡ፡፡

ንቶም ኣጋይሽ ብኣንፈት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብመቐበሊ ልዑል ክብሪ ሰበስልጣን (VIP) ንምቕባል ካብ ሃገራዊ ድሕነት ሃገርና ተወኪሎም ዝኸዱ ጊዝያዊ ሓላፊ ምዉፋር ሓለዋ ኣይተ ተመስገን ቡርቃ ከምዝኾ ዝሓበረ ትግራይ ሚድያ ሃዉስ ብላዕለዎት ሓለፍቲ “እቶም ብኣንፈት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብመቐበሊ ልዑል ክብሪ ሰበስልጣን (VIP) ዝተቐበልካዮም ኣጋይሽ ኣበይ ኣለዉ?” ዝብል ሕቶ ከምዝቐረበሎምን ዘዕግብ መልሲ ክህቡ ከምዘይከኣሉን ወሲኹ ፀብፂቡ፡፡

እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉን ዝተሰወሩን ሰበ ስልጣን ግብፂ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣበይ ከምዘለዉ ዝተፈለጠ ነገር ከምዘየለን ኣብ ልዕሊ ኣይተ ተመስገን ድማ ተወሳኺ ናይ ምርመራ ስራሕ ከምዝካየድ ገሊፁ’ሎ ትግራይ ሚድያ ሃዉስ፡፡


0