ነፋሪት ኩናት መንግስቲ ሶርያ ኣብ ትሕዝቶ ዕጡቓት ኣብ ትርከብ ሰሜናዊ ክፋል ኣድሊብ ተወቒዓ ወዲቓ ተባሂሉ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  09/12/2011)እታ ነፋሪት ኩናት ታሕሪር ኣልሻም ብዝተበሃለ ጉጅለ ዕጡቕ ተወቒዓ ምውዳቓ እቲ ጉጅለ ገሊፁ፡፡

ምስ ኣልቃዒዳ ዝተበሃለ ፈጣሪ ራዕዲ ርክብ ከምዘለዎ ዝዝረበሉ ታሕሪር ኣልሻም እታ ነፋሪት ወቒዐ ካብ ምውዳቑ ሓሊፉ ዝሃበ ተወሳኺ ሓበሬታ የለን፡፡

ተቆፃፀርቲ ሰብኣዊ ጉዳያት ሶርያ ኣብራሪ እታ ነፋሪት ኣብ ቁፅፅር እቶም ዕጡቓት ምውዓሉ እንትገልፁ መራኸብቲ ሓፋሽ ሶሪያ እውን ሓንቲ ነፋሪት ተወቒዓ ምውዳቓ ምፅብፃቦም ፀሪሑ ምፅብፃቦም ኣልጀዝራ ገሊፁ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of