ነባርነቶም ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ፣ ንመከላኸሊን ንምግታእን ቫይረስ ኮሮና ዝዉዕል 4 ሚልዮን ለጊሶም።

እቶም ብነፍስ ወከፎም ሓደ ሓደ ሚልዮን ዝለገሱ ኣይተ እፀገነት በርሀ ፣ኣይተ ዓብዲል ዓሊም ሙሳ ኣብርሃ ፣ ኣይተ ይትባረክ ዘገየን ኣይተ ትካቦ ወ/ገብርኤል ዝተብሃሉ ኮይኖም ፤ ክልተ ላውንደሪ ማሽን ምስ ናይ ሰለስተ ወርሒ ሙሉእ እታወታተን ፤ 312 ሽሕ ግላቭ መጥባሕቲን ንግብረ ሓይሊ ምክልኻል  ቫይረስ ኮረና ትግራይ ሎምዓንቲ ኣወፍዮም።

   ነቶም ሓገዝ ዝገበሩ ተጋሩ ልዑል ክብሪን ምስጋናን ይግብኦም ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ.ር ሓጎስ ጎዲፋይ  ኣጋጢሙ ንዘሎ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንምምካት ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ንክሕግዙ ድማ ፀዊዖም።


0