ነበር ፕረዝደንት ሃገረ ኩርጊስታን ኣልማዝባክ ኣታምባየቭ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ከምዝተኸበቡ ተገሊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  02/12/2011)እቶም ነበር ፕረዝደንት ብሓይልታት ፀጥታ ክኽበቡ ዝኸኣሉ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቶም ሓይልታት ፀጥታ ንነበር ፕረዝደንት እታ ሃገር ኣልማዝቦክ ኣታምባየቭ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ናብ መንበሪኦም ኣብ ዘምርሕሉ እዋን ኣብ መንጎ ደገፍቶምን ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ጎንፂ ከምዝተልዓለ ተሓቢሩ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ሂወት ሓደ ኣባል ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ እንትሓልፍ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሰባት ድማ ጉድኣት በፂሕዎም ኣብ ሆስፒታል ከም ዘኣተው ተገሊፁ ኣሎ፡፡

ምስ ግዕዝይና ተተሒዙ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ባይቶ እታ ሃገር መሰል እቶም ነበር ፕረዝደንት ምምንጣሉ ይዝከር፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ካብ 2011 ጀሚሩ ክሳብ 2017 ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ኣታምባየቭ እቲ ዝቐረበሎም ክሲ ከምዘይተቀበልዎ ፀብፃባት የረድኡ ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of