ነበር ፕረዝደነት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ካብ ስዑድ ዓረብ ሚሊዮናት ዶላራት ከምዝተቐበሉ ኣሚኖም እዮም ኢሉ መርማሪ ገበን ጉዳይ ግዕዝይና እቶም ፕረዝደንት፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  14/12/2011) ዑመር ኣልበሽር 25 ሚሊዮን ካብ ተቐባሊ ንግስና ስዑድ ዓረብ ንጉስ መሓመድ ቢን ሳልማን ፣ካሊእ ቁፅሩ ዘይፍለጥ ገንዘብ እውን ከምዝተቐበለ እቲ መርማሪ ገበን ወሲኹ ገሊፁ፡፡

ፕረዝደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ትማሊ ብግዕዝይና ተኸሲሶም ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ እንትኸውን ጠበቓታት ግና ነቲ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ክብሉ ነፂጎሞ፡፡

ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ስልጣን ሚያዝያ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኖም ከምዝተኣለዩ ይዝከር ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of