ነበር ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ንኽእለ ዝመርሐ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን ኣብቲ ክጣየሽ ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሓሉ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኢዱ ከምዘይሓውስ ኣፍሊጡ።

(ኤፍኤምመቐለ  02/12/2011)ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ሞንጎ ኣብ ስልጣን ዘሎ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ባይቶን ልፍንቲ ተቃወምቲ ሱዳንን ናብ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ከሰጋግሮም ዝኽእል ስምምዕ ምክታሞም ይዝከር ፡፡

ኣብቲ ግዝያዊ መንግስቲ ሽዱስተ ካብ ሲቪል ሓሙሽተ ክዓ ካብ ጀነራላት ተመሪጾም ንዝቅፅሉ ሰለስተ ዓመታት መሰጋገሪ ክመርሑ ከም ዝተሰማምዑ ይፍለጥ።

ኣባል እቲ ልፍንታዊ ተቃዋሚ ሓይሊ ዝኾነ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን ግን ኣብቲ ባይቶ ከም ዝህሉ ብምሕባር ኣብቲ ባይቶ ዘይሻራዊ ተቆጻጻሪ ብዓል መዚ ክኸውን ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ኣብ ዝመጽእ 17 ነሓሰ ዝፍረም ኮይኑ እዋን ፃንሒቱ ካብ ንፅባሒቱ ክጅምር እዩ ይብለ ፀብፃብ ቢቢሲ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of