ቻይና ዝኾነ ይኹን ዜጋታት ወፃኢ ከይኣትውዋ ኣጊዳ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ18/07/2012)መንግስቲ ቻይና ቪዛ ዝሓዙ ኮነ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ወፃእተኛታት ከይኣትዉዎ ከልኪሉ ዘሎ ዳግም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብቲ ረኽሲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ንኸይኣትዉዋ ዘተኮረ ስጎምቲ’ዩ ተባሂሉሎ ከም ፀብፃብ ቢቢሲ።

እቲ እግድ ካብ ፅባሕ 19 መጋቢት ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ዝበለ መንግስቲ ቻይና እዚ እግድ ግን  ንዲፕሎማሰኛታት ከምዘይሓዉስ ኣፍሊጡ ።

ኣገዳሲ ንዝኾነ ቁጠባዊ ፣ ንግዳውን ሳይንሳውን ዕዮታት ወይ’ውን ንህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቻይና ክኣትዉ ንዝደልዩ ዜጋታት ወፃኢ ኣብ ኤምባሲታትን  ቆንስላታትን ሃገራ ኣቐዲሞም ከመልክቱ ኣተሓሳሲቡ’ሎ፡፡


0