ቻይና ንቫይረስ ኮሮና ዝፍዉስ መድሓኒት ከምዘሎ ገሊፃ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  09/07/2012)ኣብ ሃገረ ጃፓን ዝተምሃዘ መድሀኒት ኣብ ምድሓን ረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ዉፅኢታዊ ኮይኑ ረኺበዮለኹ ክትብል ቻይና ገሊፃ፡፡

ማዕከን ዜና ዘጋርዲያን ከምዝፀብፀቦ ንሓድሽ ዓሌት ስዓል ዝመስል ሕማም ንምፍዋስ ተመራመርቲ ሰብ ሞያ ጥዕና ጃፓን ዝመሃዝዎ መድሓኒት ንሓድሽን ተዛማትን ቫይረስ ኮሮና ፉቱን ፈዉሲ ኮይኑ ረኺበዮ’ለኹ ክብል ሚኒስትሪ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ቻይና ኣፍሊጡ፡፡

 ከም መግለፂ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ሃገረ ጃፓን ፋጂ ፊልም ዝተምሃዘን ንኣገልግሎት ቀረብ መድሓኒት ዝወዓለን “ፋቪፒራቪር” ዝተብሃለ መድሓኒት ኣብ ቻይና ከተማታት ሁዋንን ሼንዜን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣስታት 340 ግዳይ ቫይረስ ኮሮና ከምዝተፈተነን ንቲ መድሓኒት ዝተጠቐሙ ኩሎም ካብቲ ቫይረስ ነፃ ኮይኖም ከምዝተረኸቡን እቲ መድሓኒት ዘዕግብ ናይ ምድሓን ተኽእሎ ከምዘለዎ ምርግጋፁ ግልፂ ገይሩ፡፡


0