ቻይናን ሩስያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዘለወን ርክብ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 29/09/2011)ፕረዝደንት ቻይና ዢ ጂን ፒንግ ዑደት 3 መዓልታት ንምክያድ ሩስያ ዝኣተው ኮይኖም ምስ ሩስያዊ መዘንኦም ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዮም፡፡

እቶም መራሕቲ ብዲፕሎማስያዊ ርክብ 20 ዓመታት ዝተረኸቡ ውፅኢታት ብዕምቐት ብምግምጋም ንመፃኢ ኩለ መዳያዊ ርክቦም ከጠናኽሩ ተስማዕሚዖም፡፡

ስምምዕ እቶም መራሕቲ ሓበራዊ ረብሓን ተጠቃምነት ህዝብን ማእኸል ዝገበረ እንትኾን ኢኮኖሚ ክልቲኤን ሃገራት ዘነቓቕሕ እዩ እውን ተባሂሉ፡፡

ቻይናን ሩስያን ድሕንነተን ሰላም ዓለም ክሕለ ፍትሕን ተሓታትነት ክሰፍን ይሰርሓ ከምዘለዋ ዢ ገሊፆም፡፡

ፕረዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ብወገኖም ሃገሮም ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ምስ ቻይና ተደጋጊፋ ክትሰርሕ ከምትደሊ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ዢንዋ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of