ትካላት ድሕንነት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ብብርኪ ዓለም እናተጋደደ ንዝመፀ ግብሪ ራዕዲ ብሓባር ንምክልኻል ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  09/12/2011)እቲ ስምምዕነት ብወገን ኢትዮጵያ ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ድሕንነት መረዳእታ ጀኔራል ኮምሽነር ደመላሽ ገብረሚካኤልን ዳይሬክተር ማእከል ምፅራይ ተግባር ራዕዲ ኣሜሪካ ኤፍ ቢኣይ ተፈራሞም፡፡

ሃገራዊ ግልጋሎት ድሕንነት መረዳእታ ኢትዮጵያ ጀነራል ኮምሽነር ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣልሽባብ ኣልቃይዳን ኣይ ኤስን ሃገራዊ ድሕንነት ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ፈተነ ከምዝገበረ ገሊፆም፡፡

ይኹን ድኣ ኣካት ፀጥታ እዛ ሃገር ተወዲቦም ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ግብረ ራዕዳውያን ብዝወስድዎ ስጉምቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ክሰፍን እዩ ኢሎ፡፡

ዳይሬክተር ቻርለስ ኬብል ብወገኖም ብመሰረት ስምምዕ ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምክልኻል ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ገሊፆም ይብል ፀበፃበ ኤፍቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of