ቱርክን ኣሜሪካን ኣብ ሰሜን ሶርያ ሓበራዊ ማእኸል መቆፃፀሪ ሰላም ንምጥያሽ ተስማዕሚዐን፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  02/12/2011)እተን ሃገራት ኣብቲ ስምምዕ ዝበፅሓ ብኣሜሪካ ዝድገፉ ዕጡቓት ኩርዲ ካብቲ ከበቢ ንምውፃእ ወታሃደራዊ ወፍሪ ምጅማራ ስዒበን ዝተበፅሓ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስተር ምክልኻል ቱርኪ ሰብ መዚ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ቁፅፅር ሰላም ሶርያ ትኹረት ጌሮም ምምይያጦም ብምግላፅ ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ ማእኸል ንምጥያሽ ኣብ ስምምዕ ምብፅሖም እውን ኣመላኺቱ፡፡

እቲ ማእኸል አብቲ ከባቢ ሰላም ካብ ምስፋን ሓሊፉ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ክምለሱ ዘኽእልን መጥቃዕቲ ንምክልኻል ይስራሕ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ፕረስ ቲቪ፡፡

02/12/2011


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of