ቱርኪ ብኣሜሪካ ንዝቐረበ ምቁራፅ ቶኽሲ ነፂጋ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  05/02/2012)ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲብ ጠይብ ኤርዶጋን ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ሶርያ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ክቋረፅ ንዘቕረበቶ ሕቶ ብዕሊ ነፂገሞ ኣለው፡፡

ምክትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃእን ኣብ ቱርኪ ዕላዊ ዑደት ንምግባር ኣብ ዝሸባሸብሉ እዋን እዩ እቲ መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ 2 ኣብያተ ዕዮ ሚኒስተራትን 3 ሰብ መዚን ቱርኪ ማዕቖብ ዘንበረት ኮይና ኣብ ሰሜን ሶርያ ዘሎ ኩናት ጠጠው ክብል እውን ሓቲታ እያ፡፡

ነዚ ስዒቡ ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲብ ጠይብ ኤርዶጋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ዝቐረበ ምቁራፅ ቶኽሲ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብምግላፅ ዝተነበረ ማዕቐብ እንተተነበረ ከምዘይፈርሑ እውን ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡

05/02/2011


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of