ቱርኪ ብኣሜሪካ ንዝሕገዙ ዕጡቓት ንምጥቃዕ ብዝሓዘቶ ትልሚ መሰረት ቁፅሪ ኣብ ዶብ ሶርያ ዝርከብ ሰራዊት ከምዝወሰኸት ተገሊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  28/01/2012)ሓጋዝ ፕረዝደንት ቱርኪ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ሓፂር እዋን ውሳነ ሶርያ ጥሒሱ ከምዝኣቱ ገሊፆም፡፡

ቱርኪ እቲ ከባቢ ካብ ዕጡቓት ኩርድ ናፃ ንምውፃእ ድሌት ኣለዋ፡፡

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ነቐፌታ ዘስዐበ ሰራዊት ካብቲ ከባቢ ንምውፃእ ምውሳኖም ይዝከር፡፡

ዕጡቓት ኩርድ ኣሜሪካ ኣንፃር ዓለም ለኻዊ ፈጣሪ ራዕዲ ኣይኤስ ኣይኤስ ተካይዶ ንዝነበረት ወፍሪ ቀንዲ መሻርክቲ ዝነበሩ እዮም፡፡

ዲሞክራስያዊ ግንባር ሶረያ ዝብል ስያመ ዝሓዙ እቶም ዕጡቓት ቱርኪ ራዕዳውያን ምዃኖም እያ ትገልፅ ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of