ተቓወምቲ ሓይልታት ካሜሩን ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ተኹሲ ደው ኣቢሎም።

ኣብ ካሜሩን ዝርከቡ ተቓወምቲ ጉጅለታት ሰባት መርመራ ቫይረስ ኮሮና ንኽገብሩ ንኽልተ ሰሙን ተኹሲ ደው ተሰማሚዖም።

ኣብ ምዕራብ ካሜሩን ዓሪዱ ዘሎ ሰራዊት ካሜሩን ካብ ሰንበት ጀሚሩ እቲ ተኹሲ ደው ዝብል ኮይኑ እዚ ድማ “መርኣያ ሰናይ ተግባር እዩ” ክብል ገሊፅዎ።

ኣብ ካሜሩን ብምኽንያት ኲናት ሕድሕድ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ምርመራ ኮቪድ-19 ኣይረኽቡን ዝብል ብዙሕ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብ ካሜሩን ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ኣብ ዘለውዎ ከባቢ ካብ ዝንቀሳቐሱ ብርክት ዝበሉ ተቓወምቲ ጉጅለታት ሓደ ጉጅለ ጥራሕ እዩ ተኹሲ ደው ከብል ፍቓደኛ ኮይኑ ዘሎ።

መንግስቲ ካሜሮን ኣብ ዝሓለፈ ተኸታተልቲ ዓመታት ኣብ ዞባ ኣንግሎፎን ምስ ዝርከቡ ተቓወምቲ ኣብ ኲናት ገጢሙ ከምዝርከብን እቲ ኲናት ህይወት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝለከመን ይሕበር።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከብ ዞባ ኣንግሎፎን፡ ዓርሰ-ምምሕዳር ክፍቀደሉ ንዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዘቕረቦ ጠለብ ነታ ሃገር ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክትሽመም ገይሩዋ እዩ።

መንግስቲ ካሜሩን ግን ነዚ ንነዊሕ እዋን ተዓቢጡ ክኸይድ ዝፀንሐ ሕቶ ዓረሰ-ምምሕዳር ከም ዘይቅበሎ’ዩ ዝገልፅ ይበለ ፀብፃብ ቢቢሲ።


0