ተመዛበልቲ ኣብ ዘዕቑቡሎም ከባብታት ስግኣት ማይ ወለድ ሕማማት ስለዘሎ ጥንቃቐ ክግበር ይግባእ ኢሉ ኢንስቲዩታት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፡፡

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢኒሰቲዩታት ዶክተር በየነ ሞጎስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ካብቶም መዕቐቢ ቦታት እቶም 142 ስግኣት ውሕጅ ከም ዘለዎም ብምግላፅ ንማይ ወለድ ሕማማት ተቓላዕቲ ምዃኖምን ኣመላኪቶም፡፡

ዝናብ ኣብ ዝዘንበሉ እዋን መንገድታት ክዕፀው ስለዝኽእሉ ኣቐዲሙ ክውገን ዝግበኦም ስርሓቲ ክዕመሙ ኣለዎም ኢሎም፡፡

ዛጊድ 27 ተሽከርከርትን 91 ሰብ ሞያ ሕክምናን ናብ ክልላት ትግራይ ፣ኣምሓራ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ደቡብን ኦሮምያን ከምዝተዋፈሩ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of