ተመራመርቲ ንኮሮና ቫይረስ ቁልጡፍ መመርመሪ መሳርሒ ንመስራሕ ኣብ ሃይሃይታ ከም ዝርከቡ ገሊፆም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ18/07/2012)ኣብ ሲንጋፖር ዝርከቡ ተመራመርቲ ሓደ ሰብ ብኮቪድ-19 እንተተታሒዙ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ምፍላጥ ዘኽእል መሳርሒ ከምዝሰርሑ ብመግላፅ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንዝምልከቶ ኣካል ከም ዘረክቡ  ተዛሪቦም።

ተመራመረቲ ብሪታንያ ብወገኖም ኣብ ውሽጢ 10 ደቒቓ ምፍላጥ ዘኽእል መሳርሒ ብሓደ ዶላር ዝሽየጥ ኣብ ወርሒ ሰነ ንዕዳጋ ክነቐርብ ኢና ኢሎም።

ኩባንያ ጀርመን ዝኾነ ቦሽ ድማ ኣብ ውሽጢ ትሕቲ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ክምርምር ዝኽእል መሳርሒ ከምዘሰርሐ  ብምግላፅ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ምዃኑ’ውን ሓቢሩ ይብል ፀብፃብ ቢ ቢ ሲ።


0