ቫይረስ ኮሮና ኣብ ክልልና ትግራይ ዛጊድ ኣይተርኣየን

ኣብ ትግራይ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ካብ ሞንጎ ዝተገበረሎም 21 ወገናት ኩሎም ካብቲ ረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ናፃ ከምዝኾኑ ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ደ/ር ተወልደ ዉባየሁ ከምዝገለፅዎ ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ስራሕቲ ምርምራ ኮቪድ-19 ብዕሊ ካብ ዝጅምር ዝተቐበሎም ናይ 21 ጥሩጡራት ደም ካብቲ ረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ናፃ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ህዝቢ ቐንዲ ትኹረቱ ኣብ ወሰንቲ ሜላ መከላኽን ምግታእን እቲ ቫይረስ ክኸዉን ከምዝግባእ ድማ እቶም ዋና ዳይሬክተር ምዒዶም፡፡

ምንጪ ሓበሬታ፡- መቐለ ፋና


0