ቫይረስ ኮሮና ርእሲ ሕማም ዝኾኖም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኣፍረይቲ መኻይን ሃገሮም መተንፈሲ መሳርሒ ከፍርዩ ሓቲቶም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ19/07/2012)ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንዚ ምሕፅንተኦም ኣቕሪቦም ዘለዉ ኣብ ኣመሪካ ንዝመደበሩ ዝዓበየ ኣፍራዪ መካይን ጀነራል ሞተርስ ኩባንያ ኮይኑ ንግዳያት ቫይረስ ኮሮና ዘገልግል መተንፈሲ ኣካል መሳርሒ ከፍሪ ድሕሪ ምምሕፃን ንፈፃሚ ስራሕ እቲ ኩባንያ ኣብዚ ኣዋጣሪ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንዘርአዮ ዕሽሽ ምባል ክኣ ነቒፎም፡፡

 ቅድም ክብል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝርግሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ፋብሪካታት ብፍቓዶም ንሕክምና ዝውዕሉ መሳሪሒታት ንምፍራይ ስርሖም ይቕይሩ ስለ ዘለው ብሕጊ ክግደዱ ኣይግባእን ኢሎም እኳ እንተነበሩ ኣብ ሐዚ በፂሖም ንቲ ኩባንያ ምንቃፎም ንኣፈፀምቲ ስራሕ እቲ ካምፓኒ  ኣገሪሞም ከምዘለዉ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ንዚ ስዒቡ ጀነራል ሞተርስ ከምዝሓበሮ ካብ ዝመፅእ ወርሒ ሚያዚያ ጀሚሩ ኣብ ወርሒ 10 ሸሕ መተንፈሲ መሳርሒታት [ቬንትሌተርስ] ከም ዘፍሪ ሓቢሩ’ሎ።


0