ብፅሒት ኢትዮ-ቴሌኮም ንዕዳጋ ቅድሚ ምቕራቡ እቲ ኩባኒያ ኣብ ክልተ ዓውዲ ቢዚነስ ከምዝውድብ ተገሊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 12/10/2011)መንግስቲ ፌዴሪኢ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ንምክያድ ዓሊሙ ኣብ ኢድ መንግስቲ ዘለዋ ትካላት    ልምዓት ብኽፋልን ሙሉእ ብሙሉእን ንሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንምሻጥ ካብ ዝውስን ሓደ ዓመት ገይሩ ኣሎ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብዚ ሐዚ እዋን ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ይስረሐሉ ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ስራሕ ነቲ ዓውዲ ንምምሕያሽ ዝዓለመ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ኣሕመድ፥ ብመሰረት እዚ ኣብ ዓውዲ ኢትዮ ቴሌኮም ኩባኒያታት   ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንምፍስታፍ ዘኽእል ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከምዝፀደቐ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢንዱስትሪ ቴሌኮም ንዝኣትዉ ኩባኒያታት ንምቁፅፅር ዘኽእል ትካል ከምዝጣየሽ እውን ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ስራሕቲ ትመና ሃፍቲ ኢትዮ ቴሌኮም ንምፍፃም ዘኽእል ስራሕ ከምዝስራሕ ኣይተ ኣሕመድ ተዛሪቦም።

ከም ኣገላልፃ እቶም ሚኒስትር፥ ብፅሒት ኢትዮ ቴሌኮም ንዕዳጋ ቅድሚ ምቕራቡ እቲ ኩባኒያ ኣብ ክልተ ዓውዲ ቢዚነስ ንምውዳብ ክስራሕ ኢዩ።

 ነዚ እውን ዓውዲ መሰረተ ልምዓትን ግልጋሎትን ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ቢዚነስ ከምዝውደቡ ሓቢሮም።

 እቲ ትካል ኣብ መንግስቲ ዘለዎ ብፅሒት ብዝምልከት ዝተቐየረ ነገር ከምዘየለ ተዘሪቡ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of