ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንሹመት ዝቐርቡ ሑፅያት ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቖጢዑ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  03/07/2012)ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ የማናይ ኢድ ኣገልጋሊኦም ንዝኾኑ ድያቆን ዳኒኤል ክብረት ኣባል ኣመራርሓ ቦርድ ኤጀንሲ ፕረስ ኢትዮጵያ ኮይኖም ንኽሽየሙ ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዘቕረብዎ ረቂቕ ሹመት ብኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ከቢድ ተቓዉሞ ገጢምዎ፡፡

እቲ ረቂቕ ሹመት ንተወከልቲ ቤት ምኽሪ ብሓሳብን ድምፅን ኣብ ክልተ ዝገምዐን ከምዝነበረን ንድምፀ ተኣቅቦን ተቓዉሞን ዘስምዑ ኣባላት ድምር 150 ክኸዉን ከሎ 148 ብዝሃብዎ ድምፂ ድጋፍ ጥራይ ከምዝፀደቐሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ፡፡

ኣብቲ ዝተኻየደ ሓያሎ መካትዒ ሓሳባት ድሕሪ ምልዓሉ 148 ድጋፍ ብ126 ተቓውሞን ብ24 ድምፀ ተኣቅቦን  ድምፂ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣባል ቦርድ  ኮይኖም ምምራፆም ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓያሎ መካትዒ ኮይኑ ከምዘሎን ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንሹመት ዝቐርቡ ሑፅያት ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ የቖጥዕ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ።


0