ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ መጠቃዕቲ ኣጥቢቕና ክንኩንኖ ይግባእ ክብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት ትግራይ ገሊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  28/01/2012)እዚ ዝበላ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ኣብ ናይ ውልቀኣን ፌስ ቡክ ገፅ ኣብ ዘሕለፍኦ መልእኽቲ ከምዝገለፅኦ ነበርቲ ከተማ ዓዲ ዳዕሮን ከባቢኣን ዘካየድዎ ሰልፊ መንቀሊኡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ተጠርጣሪ ውልቀ ሰብ ብዝፈፀሞ ገበን መሰረት ግቡእ ስጉምቲ ኣይተወሰደሉን ዝብል እዩ ኢለን፡፡

እዚ ተግባር ኣዝዩ መሕፈሪ፣ ብትረት ክኹነን ዘለዎ፣ ነናይ ሕሉፍ ታሪኽናን ቃለስናን ዘይምጥን ፀያፍ ተግባር ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ዋዕሮታት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ትማሊ ካብ ድርብ ወፅዓ ሓራ ንምውፃእ ግንባረን ንዓረር ሂበን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ሃኒፀን እንተብቅዓ ሎሚ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፍትሒ ስኢነን፣ ክጥቅዓ የብለንን ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሕመቕ ሱር እንተይሰደደ ፈቲሽና ክነፅር ከምዝግበኣና ዕዮ ገዛ ዝወሃብ እውን እዩ ክብላ ገሊፀን፡፡

ወይዘሮ ሊያ ከምዝገለፅኦ ናይዚ ፀያፍ ተግባር ፈፀምቲን ነዚ ተግባር ብምርብስባስ ክሽፋፍኑ ዝፈታኑ ተሓባርቲን ህፁፅን ጥፍኣቶም ዝምጥን ስጉምቲን ክውሰደሎም መንግስቲ ብትረት ከምዝቃለስ ገሊፀን፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of