ብብርኪ ሃገር ብዘጋጠመ ሕማም ኮሌራ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 871 ከምዝበፅሐ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

(ኤፍኤምመቐለ 25/10/2011)ምክትል ዋና ዳይሬተር እቲ ኢንስቲትዩት ዶክተር ጌታቸው ቶሌራ፥ ኩነታት እቲ ሕማም ኣመልኪቶም ኣብ ዘሃብዎ መግለፂ ዶክተር ጌታቸው፥ ሕማም ኮሌራ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ሶማሌን ዓፋርን ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ከምዝተራእየ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ሃገር በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ቁፅሪ ሰባት 871 ምብፅሑ ብምግላፅ ኣብ ክልል ትግራይ 19 ሳባት፣ ኦሮሚያ 360 ሳባት፣ ኣምሓራ 202 ሳባት፣ ሶማሌ 33 ሰባት፣ ዓፋር 131 ሳባት ከምዝተትሓዙ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 125 ሳባት ከምኡ እውን ኣብ ድሬዳዋ 1 ሰብ በቲ ሕማም ከምዝተሓዙን ክሳብ ሕዚ 17 ሰባት በቲ ሕማም ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እውን ዶክተር ጌታቸው ገሊፆም።

ካብ እቶም ዝመቱ እቶም 14 ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ክልተ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ሓደ ኣብ ዓፋር ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ነቲ ሕማም ንምቁፅፃር፥ ኣሰር ብመፅናዕቲ ናይ ምፍላይን ብላቦራቶሪ ናይ ምርግጋፅን መድሓኒታት ይባፃሕን ከምዘሎ ኣብሪሆም ይበለ ፀብፃብ ኤፍ ቢ ሲ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of