ብሰንኪ ረኽሲ ቫይረስ ስነስርዓት መርዖኦም ኣናዊሖም ዝነበሩ ቻይናዉያን ነበርቲ ከተማ ዉሃን ስነስርዓት መርዖኦም ንምፍፃም ይጓየዩ ኣለዉ፡፡

ኣብታ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ዝነብሩ መፃምዲ ምዝገባ ሓዳር ናብ ዝካየደሎምን መደብራት ቤት ስእልን ብብዝሒ ይጓየዩ ከምዘለዉን  እዚ ድማ ኣብታ ንመጀመርያ ግዜ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸበላ ከተማ ዉሃን ዘሎ ህይወት ናብ ንቡር ይምለስ ከምዘሎ ዘመላኽት ለከምዝኾነ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዞም መፃምዲ ዝርከብዎም ነበርቲ እታ ከተማ ንኣስታት 3 ኣዋርሕ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ከምዘይፍቀድ ዝምእዝዝ መምርሒ ስዒቡ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ተዓፅዮም ድሕሪ ምፅናሕ ካብ ዝሓለፈ 8 ሚያዝያ ኣቖፃፅራ ፈረንጂ ጀሚሩ ንተሪ ዝተነበረ እግድ ምልዓሉ ስዒቡ እታ ከተማ ናብ ንቡር ማሕበራዊ ህይወት ትምለስ ኣላ።

ኣብ ከተማ ዉሃን ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን እቲ ዝዓዘዘ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ጉዳያት መርዓ ዘተኮረ ከምዝኾነን ኣብ መዓልቲ ብዉሕዱ 16 መፃምዲ ስነስርዓት መርዓ ይፍፅሙ ከምዘለዉን ዝሓበረ ቢቢሲ ንዚ ልዕሊ ዓቐን ዝኾኖም እንዳ ስእሊ እታ ከተማ ኣብ መዓልቲ ንኽልተ መፃምዲ ስእልታት ንምስኣል ጊዜኦም መዲቦም ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓቢሮም’ለዉ ፡፡  


0