ብርክት ዝበሉ ትካላት መንገዲ ኣየር ዝተፈላለያ ሃገራት ንቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ንግዚኡ ካብ ኣገልግሎት በረራ ኣውፂኦም፡፡

እቶም ትካላት ናብዚ ውሳነ ዝበፅሑ ዋንነት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ነፋሪት ድሕሪ ምሕምሻሻ እዩ፡፡

በዚ መሰረት ኢትዮጵያ ፣ ልዕሊ 100 ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ዘለውኣ ቻይና ፣ በዓል መዚ ቁፅፅር በረራ ኢንዶኖዥያ ፣ መንገዲ ኣየር ካይመንን ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ንዘይተወሰነ ግዘ ካብ ኣገልግሎት በረራ ክወፃ ዝወሰኑ እዮም፡፡

ምሰዚ ብዘተኣሳሰረ ኩባንያ ቦይንግ ነቲ ምሕምሻሽ ስዒቡ ሰሙና መሸጣ ብፅሒቱ ብ13 ሚኢታዊ ምንካዩ ፀብፃብ ቢቢሲ የመላክት፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of