ብምኽንያት 7ይ ዓመት ዝኽሪ ዓብይ መራሒ መለስ ዜናዊ ተኸላ ፈልሲ ተሳሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  14/12/2011) ኣብቲ ተኸላ ፈልሲ ሲቪል ሰርቪስ ሰርቫንት ፣መናእሰይን ደቂ ኣንሰትዮን ብሓባር ብምዃን ካብቶም ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብሃገር ይኹን ብዓለም ብርኪ ዝሰርሖም ስራሕቲ ብምዝካርን ሓምለዋይ ቦታ ንምፍጣር ናይቲ ብሉፅ መራሒ ዕላማ ኣብ ተግባር ብምውዓል ከም ዝተዘከረ ዋና ኣመሓዳሪ ክፍለ ከተማ ዓይደር ኣይተ ኤልያስ ኪሮስ ገሊፆም፡፡

ብተወሳኺ እውን ሓምለዋይ ቦታ ንምፍጣር ዝተተኸለ ፈልሲ ብምኩስካስን ብምፀሃይን ከምኡ እውን እኹል ማይ ክረኽቡን ከም ዘለዎም ገሊፆም፡፡

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ኣይተ ሃይለማርያም ገብረፃዲቕ ብወገኖም እውን ከምቲ ስውእ መራሒና ዝበሎ ሓምለዋይ ልምዓት ኣብ ከባቢና ይኹን ኣብ ኣፍሪካ ዓብይ ፃዕሪ ከም ዝገበረ ይፍለጥ እዩ ብኡ መሰረት ድማ በቢ ዓመቱ ብዝተፈላለዩ ተኽልታት ብምትኻል ሕዚ እውን ነዚ መቐፀልታ እናተተኸለ ሓምለዋይ ቦታ ብምፍጣር ብማሕበር መናእሰይ ክፍለ ከተማ ዓይደር ብምትሕብባር ከም ዝተሳለጠ ተዛሪቦም ክብል ኪኢላ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክፍለ ከተማ ዓይደር ማርታ ኣለማዮሁ ዝለኣኸትልና ፀብፃብ የመላኽት፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of