ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ዝተዳለወ 5 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስቲዮ ትግራይ

(ኤፍኤምመቐለ  13/12/2011) እቲ መበገስኡን መዛዘሚኡን ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ዝነበረ ውድድር ልዕሊ 1500 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ኮይኑ አትሌት ገነት ሳህለ ካብ ወረዳ እንደርታ 1 ይቲ፣ ኣሰፉ ኣብርሃ ካብ ትራንስ ኢትዮጵያ 2ይቲ፣ ማርታ ፀጋይ ካብ ጉና 3ይቲ ብምዃን ውድድረን ዛዚመን ብዓርሰ ተበግሶ ኣትሌት ገብረእግዚያብሔር ገብረማሪያምን በዓልቲ ቤቱ ኣትሌት ወርቅነሽ ኪዳነን ዝተጣየሽ ናትና ስፖርት ኩነት ንፈለማ እዋን ደቂ ኣንስቲዮ ጥራሕ ዝተዓደማሉ 5 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስቲዮ ኣብ ጎደናታት ከተማ መቐለ ሎሚ 12 ነሓሰ 2011 ዓ/ም ተሳልጡ። መስራቲት ናትና ስፖርት ኩነት ኣትሌት ወርቅነሽ ኪዳነ ከምዝበለቶ፥ እቲ ውድድር በዓል ኣሸንዳ ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ዝተዳለወ እንትኸው ክልተ ዋና ዕማማት ድማ ኣለዎ ኢለን ። እቲ ሓድ ኣትሌታት ደቂ ኣንስቲዮ ንምብቃዕን ተተካእቲ ስፖርተኛታት ምፍራይ እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ኢሉ እውን ኣብ መላእ ትግራይ ውድድራት ጉያ ንክስፋሕፍሑን ኣብቲ ክልል ንዝህነፅ ማእኸል ኣትሌቲክስ ዝኸውን እቶት ንምርካብን ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፃ። ኣብቲ ጉያ ላዕለወት ሓለፍቲ ቢሮታት ክልል ትግራይ ተሳተፍቲ ኮይነን እየን ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of