ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ኣብ ከተማ መቐለ ዘተ ፓነል ይካየድ ኣሎ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  27/05/2012)ካብ ኩለን ክፍለ ከተማ መቐለ ዝተወፃፅኡ መናእሰይ ከተማ መቐለ ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲትን ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርን ክልልን ምይይጥ ፓነል የካይዱ ኣለዉ፡፡ ኣብቲ ፓነል ምይይጥ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኢንጂነር ኣርኣያ ግርማይ ብዉሱናት ደቂ ህዝቢ 11 ለካቲት ዝተወለዐት ርችት ሓርነት ንዝነበረ ጨቛናይ ስርዓት ብምቅባፅ ኣብ ዝሓለፍ 27 ዓመታት ቅልጡፍ ልምዓት ሰላምን ህንፀት ዴሞክራሲን ተስፋ ዝህብ ለዉጢን ተመዝጊቡ እዩ ኢሎም፡፡ መንእሰይ ከተማ መቐለ፣ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ዉድብን ንምስኳን ዝፅዕሩ ሓይልታት ሓድነቶም ብምጥንኻር ብምምካትን ልምዓት ብምርግጋፅ ከምዝኾነን ብፍላይ ክኣ ኩለመዳይ ምንቅስቓስ መናእሰይ እውን ብመንፅር ህላወ ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይን ክኸዉን ከምዝግባእ ኢንጂነር ኣርኣያ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፍ ዘለዉ መናእሰይ ብግድኦም 11 ለካቲት እንተኽብሩ ሕድሪ ኣያታቶም ተቐቢሎም ልምዓት ብምርግጋፅን ሰላምን ድህንነትን ከባቢኦም ዉሕስ ንምግባር ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ኣብቲ ዘተ ካብ ኩለን ክፍለ ከተማ መቐለ ዝተወፃፅኡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ መናእሰይ ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ክብል መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ፀብፂቡ፡፡


0