ብሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፌደሪኢ ዶክተር ማርቆስ ተክሌ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ፖኪስታን ዑደት ገይሩ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  05 /01/2012)ኣብቲ ዑደት ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኣይተ ምስጋኑ ኣረጋ ሓዊሱ ኣመራርሓ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ክብ ሚኒስተር ሕርሻን ተሳቲፎም እዮም፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዑደቱ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፖኪስታን ሰሃይለ ማህመድን ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገርን ኣብ ክልተኣውን ዓለም ለኻዊን መድረኻት ብሓበር ምስራሕ ኣብ ዘኽእል ዛዕባታት ትኹረት ገይሩ ዘትዩ፡፡

ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ንግድን ኢነዱስትሪን ዘለወን ርክብ ዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ከም ዝተዘተዩ እውን ተሓቢሩ፡፡

ኢትዮጰያን ፖኪስታንን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝመስረታ ኣብ 1950ታት ኾይኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፖኪስታን ከም ብሓዱሽ ኤምባሲ ከፊታ ኣብምስራሕ ትርከብ ይብል ፀብፃብ ኤፍ ቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of