ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኩዕሾ እግሪ ዋልታ ፖሊስ ዝኮኑ ወገናትና ንዝተፈፀመ መሕዘኒ ፍፃመ ኣትሪሩ ብምኩናን ነቲ ተግባር ዝፈፀሙ ኣካላት ምስ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ክልል ዓፋርን ፌደራል ፖሊስን ብምዃን ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣብ ምፅራይ ከም ዝርከብ ገሊፁ፡፡

አባላት ጋንታ ዋልታ ፖሊስ ትግራይ ኣብ ማእኸል ሃገር ዝነበሮም ፀወታ ዛዚሞም ናብ ትግራይ እናተመለሱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ዓፋር ክልል ፍሉይ ቦታ ጉዋኔ ዝተብሃለ ከባቢ ዛጊድ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ዑጡቓት ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ ንሕልፈተ ህይወት ሓደ ሰብን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሓሙሽተ ኣባላት እታ ጋንታ ድማ ናይ ኣካል ጉድኣት ከም ዝበፀሐ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣረጋጊፁ እዩ ኢሉ፡፡

ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ድማ ብሄልኮፕተር ናብ ደብረዘይት ከይዶም ኣድላይ ክትትልን ሕክምናን ይግበረሎም ከምዘሎ እናሓበርና ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ህይወቱ ንዝሰኣነ ወገና ብስም ህዝብን መንግስቲ ትግራይን ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ብምግላፅ ንስድራ ግዳይ እቲ ሓደጋን ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ፅንዓት ይምነ ኢሉ ፡፡
እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ክልል ዓፋር ኣይተ መሓመድ ኩለይታ ን104.4 ንሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ኣብ ዝሃበዎ ቃለ መሕትት መንግስትን ህዝብን ክልል ዓፋር በቲ ተግባር ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላዕ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መንጎ ብሓባር ብሰላም ዝነብር ህዝቢ ክልል ዓፋርን ትግራይን ኣጀንዳ ንምፍጣር ዝተፈፀመ እዩ ኢሎም ፡፡
ብሽም ህዝብን መንግስትን ክልል ዓፋር ነቲ ተግባር ብምኩናን ሰላማዊ ርክብ ክልቲኡ ህዝብታት ቀፃሊ እዩ ኢሎም ፡፡

ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብቲ መጥቃዕቲ ሂዎቱ ዝሰኣነ ኣባል ጋንታ ዋልታ ፖሊስ ትግራይ ኣማኒኤል ብርሃነ ሎመዓንቲ ኣብ ከተማ መቀለ ቤተክርስትያን ማርያም ቡግሳ ነበርቲ ከተማ መቐለን ደገፍቲ ዝተፈላለያ ጋንታታት ትግራይን ኣብ ዝተረኸብሉ ተፈፂሙ ፡፡


0