ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናብ ሱዑድ ዓረብ ኣብ ምስጋር ሓደጋ ብዘጋጠሞም ተጋሩ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፁ ፡፡

መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፆ መግለፂ ሓዘን ክሳብ ሕዚ ብዘሎ መረዳእታ ልዕሊ 40 መናእሰይ ወገናት ካብ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ከባቢኣን ተበጊሶም ናብ ስዑዲ ዓረብን የመንን ብቀይሕ ባሕሪ ክሰግሩ ብዘጋጠሞም ሓደጋ ጀልባ ጥሒሎም ህይወቶም ከም ዘሰኣኑ የመላክት ፡፡
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ብምግላፅ ንስድራ ግዳያት እቲ ሓደጋን ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ምፅንዕናዕ ተመንዩ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of