ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ክፍለ ከተማ ሓድነት ኣብዚ ዓመት ንዝወሃብ ክልላውን ሃገራውን ፈተና ምድላዋት ይገበር ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 29/09/2011)ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ክፍለ ከተማ ሓድነት መምህር ኣብርሃ ክፍሉ ኣብ 2011 ዓ/ም ከም ክፍለ ከተማ ጠቕላላ ክልላዊ ተፈተንቲ ማለት እውን 8 ክፍሊ 1 ሽሕን 447 ተመሃሮ ከምዘለውን፣ ሃገራዊ ተፈተንቲ 10 ክፍሊ 1 ሽሕን 213 ከምዘለውን፣ 12 ድማ 482 ተመሃሮ ተፈተንቲ ከምዘለው ገሊፁ፡፡

ኣብ 2011 ዓ/ም ተመሃሮ ተፈተንቲ ክልላውን ሃገራውን ዝሓሸ ውፅኢት ንምምፃእ ኣብ 8 ክፍልን ኣብ 10 ክፍልን ዝሓሹ መምህራን ክምደቡ ከምዝተገበረ ውፅኢቶም ድኽም ዝበሉ ተመሃሮ ፍሉይ ሓገዝ ከምዝተሓገዙን ገሊፆምን፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተፈተንቲ ተመሃሮ ዘንጊዕኻ ብምምፃእ እቲ ዝወሃብ ፈተና ተረጋጊፆም ክፍተኑ ከምዘይከኣሉን ፈተና ዘሓለፎም ተመሃሮ ዝመሳሰሉ ፀገማት ኣጋጢሙ ስለዝነበረ ኣብዚ ዓመት ተፈተንቲ ተመሃሮ ብሰዓቶም ብምምፃእ ብዝተረጋግዐ መንፈስ ክፍተኑ ፣ካብ ምቅድዳሕ ወፂኦም ናይ ባዕሎም ክሰርሑ ፣ንፈተና ዘድሊ ናውቲ ከማልኡ ከምዘለዎምን ንኩሎም ተፈተንቲ ብዛዕባ ከይዲ እቲ ፈተና እኹል ኦሬንቴሽን ንክወሃብ ምድላዋት ይገብሩ ከምዘለውን ኣተሓሳሲቦም ይብል ኪኢላ ፕረስ ርክበ ህዝብን መንግስትን ክፍለ ከተማ ሓድነት ተስፋማርያም ኣስመላሽ ዝለኣኸልና ፀብፃብ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of