ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ንተወከልቲ ኣብያተ ፅሕፈት ኣብ ዙርያ ምክልኻል ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ኣመልኪቱ ዓቕሚ መዕባይ ስልጠና ሂቡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 04/11/2011) እቲ ዓቅሚ መዕባይ ስልጠና ካብ ነብሲ ወከፍ ቤት ፅሕፈት ተወከልቲ ዘሳተፈ እንትኸውን ኣብቲ መድረኽ ተረኪቦም ዘረባ ዘስምዑ ኬዝቲም ምስጓም ጥዕናን ምክልኻል ሕማምን ኣይተ ገብረማርያም ገብረስላሴ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ኣብ ክፍለ ከተማና ንከይስፋሕፋሕ ኩለን ቤት ፅሕፈታት ኣብ ዓመታዊ ትልመን ስራሓቲ ምክልኻል ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ኣካቲተን ክሰርሓ ይግባእ ኢሎም፡፡

እቶም ተሳተፍቲ ብወገኖም እቲ ዝተወሃበ ስልጠና መሃራይ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ ካብ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ናፃ ዝኾነ ሕብረተሰብ ክንፈጥር እንተኾይና ኣብ ምክልኻል ዘለና ኣመለኻኽታ ዝለዓለ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ክብል ኪኢላ ፕረስ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ተካ ፍስሃ ፀብፂቡ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of