ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ክተማ ሰሜን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ልዕሊ 10 ሚልዮን ብር እቶት ከም ዝኣከበ ኣፍሊጡ።

(ኤፍኤምመቐለ  24/11/2011) ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣይተ ገብረሃዋርያ ታደለ ከም ዝሓበርዎ ኣብ  ክፍለ ከተማ ሰሜን 3 ሽሕን 100 ክራይ መካረይቲን 3 ሽሕን 400 ብርኪ  ‘’ሐ’’ ነጋዶ ከምዘለው ብምግላፅ ካብዚኦም 1 ሽሕን 634 ክራይ መካረይቲን 2 ሽሕን 489 ነጋዶን ንልምዓት ሃገሮም ግብሪ ብምኸፋል ግቡኦም ከምዝፈፀሙን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ልዕሊ 10 ሚልዮን ብር ከም ዝተኣከበ ገሊፆም።እዚ እቶት ክርከብ ዝኸኣለ ኣብ ከፈልቲ ግብሪ ዝሐሸ ልምዓታዊ ኣተሓሳስባ እናዓበየ ይመፅእ ብምህላውን ልምዓት ሃገርና ንምምዕባል ብዘለዎም ድሌትን፤እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍታ ክፍለ ከተማ ዝርከቡ ፍልፍላት እቶት ንክኸፍሉ ብዝገበሮ ዳህሳስን ምልዕዓልን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ’ውን ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ሰሜን ልዕል 35 ሚልዮን ብር እቶት ንምእካብ ትልሚ ሒዙ ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓቢሮም ክትብል ክኢላ ፕረስ ክፍለ ከተማ ሰሜን የሸወርቅ ኣስማረ ፀብፂባ።


0