ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 15 ሚሊዮን ብር እቶት ከም ዝኣከቡ ኣፍሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  02/12/2011)ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣይተ ገብረሃዋርያ ታደለ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን 3 ሽሕን 100 ክራይ መከረይትን 3 ሽሕን 400 ብርኪ ሐ ነጋዶ ከምዘለው ገሊፆም፡፡

ካብዚኦም 2 ሽሕን 34 ክራይ መካረይቲን 3 ሽሕን 193 ነጋዶን ንልምዓት ሃገሮም ግብሪ ብምኽፋል ግቦኦም ከምዝፈፀሙን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ 15 ሚሊዮን ብር ከም ዝተኣከበ ገሊፆም፡፡

እዚ እቶት ክርከብ ዝኸኣለ ኣብ ከፈልቲ ግብሪ ዝሓሸ ልምዓታዊ ኣተሓሳስባ እናዓበየ ይመፅእ ብምህላውን ልምዓት ሃገርና ንምምዕባል ብዘለዎም ድሌትን፣ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብታ ክፍለ ከተማ ዝርከቡ ፍልፍላት እቶት ንክኸፍሉ ብዝገበሮ ፃዕሪ ዳህሳስን ምልዕዓልን ከምዝኾነ ተዛሪቦም ክትብል ክኢላ ፕረስ ክፍለ ከተማ ሰሜን የሽወርቅ ኣስማረ ዝለኣኸትልና ፀብፃብ የመላኽት፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of