ባይቶ ፀጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪካ ወታደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ስልጣኑ ንሲቪል ፖለቲካዊ ውድብ ከሰጋግር ገደብ እዋን ሂቡ፡፡

እቲ ባይቶ ምስ ኣመራርሓ እቲ ወታደራዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ወታደራዊ መንግስቲ ስግግር ሱዳን ምስ ድሌት ህዝቢ ሱዳን ዝፃባእ እዩ ይብል፡፡

ብምዃኑ እውን ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት እቲ ወታራዊ ቤት ምኽሪ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ንሲቪል ፖለቲካዊ ውድብ ከርከብ ጠሊባ፡፡

እቲ ባይቶ እንድሕር ኣብቲ ዘቐመጦ ገደብ እዋን ስግግር ተዘይተፈፂሙ ሱዳን ክሳብ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር ተጣይሽ ካብ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ሕብረት ኣፍሪካ ከም እትእገድ ኣጠንቂቑ ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of