ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌደሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 4ይ ዓመት ስራሕ ዘበን መበል 48 ስሩዕ ጉባኤኡ ረቂቅ ኣዋጅ መሰርሕን ሰራሕተኛን መርሚሩ ኣፅዲቑ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 27/10/2011)ኣብ ከይዲ ምርመራ እቲ ረቂቅ ኣዋጅ መስርሕን ሰራሕተኛን ሓበራዊ ራእይ ሒዞም ብሕጊ ዝተደንገጉ ዳኝነት መርሆታትን ግቡኣትን ተመስሪቶም ሰላም ኢንድስትሪ ብምስፋን ዓቕሚ ፍርያታትን ተወዳዳርነትን ብምዕባይ ኢኮኖሚያውን ዕቤት እዛ ሃገር ንክዓቢ ዝሕግዝ እዩ ተባሂሉ፡፡

ብተወሳኺ መስርሕን ሰራሕተኛን ብሙሉእ ፍቓድን ነፃነትን ናይ ባዕሎም ማሕበራት ብምጥያሽ ብዝመረፅዎ ወከልቶም ኣቢሎም መሰሎምን ግቦኦምን ብኣግባቡ ንምውሳን ዘኽእል ስርዓት ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ ዘኽእል ምኻኑ ተገሊፁ፡፡

እቲ ረቂቅ ኣብ እዋን ስራሕ ኣብ መንጎ መስርሕን ሰራሕተኛን ክለዓል ዝኽእሉ ፀገማት ቅልጡፍን ውፅኢታውን ብዝኾነ ስርዓት ንምፍታሕ ምችው ኩነታት ዝህብ ምኻኑ እውን ተገሊፁ፡፡

ብተወሳኺ እውን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌደሪኢ ረቂቅ ኣዋጅ ምምሕያሽ ተወሳኺ እሴት ታክሲ እውን መርሚሩ ኣፅዲቑ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of