ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ መበል ራብዓይ ዘመን ካልኣይ ህፁፅ ኣኼባ፣ ምርጫ ኣባላት ቤት ምኽሪን ከባቢያዊ መረፃን ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ምስ ሃገራዊ መረፃ ብሓባር ንኽካየድ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ኣፅዲቑ።

(ኤፍኤምመቐለ  24/11/2011)እቲ መረፃ ኣብ 2011 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ ዝነበረ እኳ እንተኾነ፥ በቲ ዝተትሓዘሎ እዋን ንምክያድ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ቀፃሊ ምስ ዝካየድ ሃገራዊን ክልላዊን ምርጫ ንክፍፀም ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ እቲ ባይቶ ኣፅዲቑ።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፥ ዘመናዊ ኣሰራርሓ ንምኽታልን ኣዋጃት ንምስንዳእን ከምኡ’ውን ሓደሽቲ ኣመራርሓ ቦርድ ንምምራፅ ክብል ጊዘ ስለ ዝወሰደ እቲ ምርጫ ብእዋኑ ምክያድ ኣይተኽኣለን ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ምርጫ ኣባላት ቤት ምኽሪን ከባቢያዊ መረፃን እተን ከተማታት፥  እቲ ቦርድ ኣብ ቀፃሊ ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ብመሰረት ዘውፅኦ ሰሌዳ ጊዘ ብሓባር ንኽካየድ ውሳነ ተዋሂቡ።

ብመሰረት እዚ እቶም ኣብ ክልቲአን ከተማታት ዘለዉ ኣባላት ቤት ምኽሪ፥ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ከምዝቕፅሉ ተሓቢሩ።ምርጫ ኣባላት ቤት ምኽሪን ከባቢያዊ መረፃን ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ኣብ 2010 ዓ.ም ክከየድ ዝነበሮ እኳ እንተኾነ፥ ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነታት መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ብዘይምንባሩ ኣብ 2011 ዓ.ም ንኽካየድ ከምዝተወሰነ ይፍለጥ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of