ባይቶ ከተማ መቐለ ኣብ ራብዓይ ዘበን መበል 24 ስሩዕ ጉባኤኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ ።

ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ መቐለ ኣይተ ዘመንፈስቅዱስ ፍስሃ ን104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መሕትት ብምክትል ከንቲባ ኢንጅነር ኣርኣያ ግርማይ ዝቀረበ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕ ብምዝታይ ብምሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ ኢሎም ።

እቲ ባይቶ ንቐፃሊ ክርኣዩ ኣለዎም ዝበሎም ፀገማት ኣብዛ ከተማ ዘሎ ስእነት ስራሕ ፣ ኣብ ገዛ ዝወልዳ ኣዴታት፣ ብሽም ስፖርት ሰላምናን ሓድነትናን ንምዝራግ ዝግበር ምንቅስቃስ ፣ ስርቂን መዐወኒ ንጥረነገራት ኢሉ እውን መጎዓዝያ ከተማ ትኹረት ተዋሂብዎም ክስርሑ ኣንፈት ሂቡ።

ን9 ሽሕን 800 ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኣተው ከባብታት ዝርከቡ መናእሰይ መጠሻን ን3 ሽሕን 600 ድማ መሸጢ ሸዳት ክወሃብ ተወሲኑ ኢሎም ።

እቲ ባይቶ ንዝቐረበ ተወሳኺ በጀት 19 ሚልዮን 457 ሽሕን 113ን ብር ዘፅደቐ ኮይኑ ዝበዝሐ ምንቅስቓስ ዘለዎ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ብምክትል ክምራሕ ብምፅንሑ ኣብ ፌደራል ብዝለዓለ ሓላፍነት ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣይተ ቴድሮስ ዳዊት ክመርሕዎ ንዝቐረበ ሽመት ብምሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ ኢሎም ኣይተዘመንፈስቅዱስ ፍስሃ ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of