ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣጽዲቑ

ባይቶ ተወከልቲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ንኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ብዓብላላይ ድምፂ ኣፅዲቑ

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮ ብቕልጡፍ ይዛመት ብምህላዉ እቲ ህፁፅ ኣዋጅ ፀዲቑ ተግባራዊ ንኽኸዉን ቅድሚ መዓልታት ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ፍሉይ ስሩዕ ጉባኤ ነቲ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ብምምርማር ብዓብላሊ ድምፅ ኣፅዲቕዎ።

ክልላት ምስ ዘውፅእኦም መምርሕታትን ገደባትን ተሳንዩ ከምዝፍፀም ድማ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ከምዝፀንሕ ተፈሊጡ’ሎ፡፡


0